ምኽሪ

ምክሪ ነቶም ዝተተንከፉ

እቶም ማህረምቲ ዘጋጠሞም ተስፋ ምቑራጽን ናይ ጽምዋ ስምዒት ክፈጥረሎም ይኽእል እዩ። ናይ Niedersachsen ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ክትደልዩና ከለኹም ንዓኹም እዩ ኣብኡ ዘሎ። ኣብ ጎኒ እቶም ዝተተንከፉ ድማ ደው ንብልን ንኣመለኻኽተኦምን ነጥብታቶምን ድማ ንውክል። ግዜ ንህበኩምን ከምኡ ድማ ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ነመቻችእ።

ኣብ ምኽሪ ከመይ ጌርና ንድግፈኩም ኣብ’ዚ ኣሎ ገለ ኣብነታት፡

  • ናይ ዘጋጠመኩም ምዒት ኣብ ምምስራሕ ንሕግዘኩምን ከምኡ ድማ እንተደሊኹም ድማ ኣብ ምድላው ፍወሳ ድማ ንሕግዘኩም።
  • ብዛዕባ ሕጋዊ ኣማራጺታት ከም ጥርዓን፡ ሕጋዊ ስጉምቲ፡ ምክልኻል ናይ ግዳይ ወዘተ ክንህብረኩም ኢና።
  • ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ናብ ፖሊስ፡ ሕጋዊ ምኽሪ፡ ናብ ሰብ መዝን ሕክምናዊ ክንክንን ከነሰንየኩም ኢና
  • ኣብ ጉዳይ ቆጸራ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ምድላው ናይ’ቲ መስርሕን ኣብ ምስማዕ’ቲ ጉዳይን ንሕግዘኩም ኢና
  • ተኽእሎታት ምኽፋል ገንዘብን ካሕሳን ነርእየኩም ከምኡ ድማ ኣብ መመልከቲ ድማ ንሕግዘኩም
  • ንምምሕያሽ ኩነታት ናብራኹም ብሓባር ናይ ነዊሕ እዋን ስጉምትታት ነማዕብል።
  • ምስ ካልኦት ዝተተንከፉ ሰባት ድማ ሓሳባት ንምልውዋጥ ዕድላት ንፈጥር።
  • ብድሌትኩም፡ ጸገማት ናይ ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ ናይ ህዝቢ ኣቓልቦ ክንስሕብ ኢና

ኩሎም ምኽርታት ብመሰረት ውልቃዊ ጠለባት እዮም ዝካየዱ። ናትና ጉጅለ ምሳኹም ድሕሪ ምምኽኻር እያ ትሰርሕ።

ቀረብና ወለንታዊ፡ ሚስጥራዊን ናጻ ካብ ክፍሊትን እዩ።

ኣድራሻ

ብኸመይ ተርኽቡና፡

ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ Niedersachsen


Exil e.V
ቴለፎን: 0541 38069923
ሞባይል: 0157 37967272
nordwest@­betroffenenberatung.de

 

ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ Niedersachsen


CJD Nienburg
ቴለፎን: 05021 971111
betroffenenberatung.nds.nordost@cjd.de

 

ዞባ ደቡብ Niedersachsen


Asyl e.V
ሞባይል: 0179 1255333 / 0159 06390203 / 0159 06849290
sued-nds@­betroffenenberatung.de

ምኽሪ ንበተሰብን መሰኻክርን

ምስ ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ ኣብ ስድራን ኣዕሩኽን ዝምልከት ምስራሕ ድማ ንበተሰብን ኣዕሩኽን ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዝበዝሐ እዋን ናይቶም ዝተተንከፉ ሰባት መቕርብ ምስ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እንታይ ከምዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮም። ዝልዓሉ ሕቶታት ከም፡ “ብከመይ እየ ክሕግዝ?” “ገለ ሕማቕ ነገር ክዛረብ ዶ ይኽእል?” ወይ “ ሕጂ’ውን ክፍራሕ ኣሎኒ ድዩ?” ምሳኹም ብሙኻን ናትና ኣማኸርቲ ነዞም ሕቶታት መልሲ ከናድዩ ክፍትኑ እዮም። ነቶም ዝተተንከፉ ንሕግዝ ከምኡውን ስሚዒታዊ ደገፍን ምኽርን ንቕድሜና ንህብ ኢና። ብተወሳኺ ዝኾነ ፍጻሜ እንተሪኢኹምም ከኣ ምኽሪ ንህብ ኢና።

ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝረኣዩ ወይ ዝተዓዘቡ ሰባት ብዙሕ ግዜ ይሽገሩ እዮም። ብ’ተወሳኺ ብዛዕባ ከመይ ትቕጽል ዝብል ሕቶታት፡ ስሚዒታት ወቐሳን ፍርህን’ውን ክልዓሉ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ፍጻሜ ክትሕብሩ ንሕግዝን ኣብ ኣታሕዙኡን ኣብ’ኡ ዝግበር ስምምዕን ድማ ንድግፈኩም። ዋላ’ውን ን ምጽውዋር ዘለዎ ሓባራዊ ናብራን ከምኡ ድማ ኣንጻር ጽልኢ ወጻእተኛን ጽልኣተ ሰብን ቃል እንተኣተኹም፡

ገና ናይ ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ ከጓንፈኩም ይኽእል እዩ። ንሕና ኣብ ምንጽብራቑን ከምኡ ድማ ምምስራሕ እዞም ዘጓነፍኹምን ከምኡ’ውን ኣብ ናይ መጻኢ ናይ ምኽኣል ስልቲታት ንድግፈኩም ኢና።

ከመይ ጌርና ኢና ንሕግዝ?

ሓገዝና ኣብ ወለንታዊ ድሌት ዝተሰረተ ከምኡ ድማ ኣብ ጠለባትኩም ሙርኩስን ዝገበረን እዩ። እንተድኣ ድሕሪ ማህረምቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣጠማምታ ተቐይሩ ኮይኑ፡ ንሕና ኣብ ዳግመ-ምንዳይ ናይ ገዛእ ርእስኹም ጸጋታትን ከምኡ ድማ ኣብ ምሕያል ናይ ገዛእ ርእስኩም ኣጠማምታ ኩሉ ግዜ ኢና ንድግፈኩም። ነቲ ናይ ዓማዊልና ናይ ናብራ ሃዋሁውን ርእሰ ውሳኔን ነኽብርን ብሓባር ድማ ፍታሕ ነናድን፡ እንተኾነ ኣየናይ ስጉምትታት ክትወስዱ ትደልዩ ባዕልኹም ትውስኑ።

ብግሊ ንመክር ከምኡ ድማ ብቴለፎንን ናይ ቪድዮ ኮንፈረንስን ውን ከምኡ። ናትና ኣድህቦ ድማ ንስኹም ውሕስነትን ተቐባልነትን ንክስምዓኩም እዩ።

ናትና ስራሕ ድማ…

  • ሚስጥራውነት። ኩሎም ዝርርባት ብጥብቂ ሚስጥራውያን እዮም። ንሕና ውን ከምኡ ብጠለብ ስም ብምዕቃብ ክንመክር ንኽእል ኢና።
  • ዘይቢሮክራሲያው (ወግዓዊ መስርሕ ዘይብሉ) ። ንሕና ንዝኾነ ሰብ ብዘየገድስ ናይ ነባርነት ደረጅኡ ንመክር ኢና።
  • ምስ ዝተተንከፉ ሰባት ጸግዒ ምሓዝ። ኣብ ጸግዒ እቶም ዝተተንከፉ ደው ንብልን ከምኡ ድማ ንረብሐኦም ንሕግዝ።
  • ኣብ ጠለብ ዘድሃበ። ዘድሃበ። ንሕና ከከም ድሌታትን ጠለባትን ናይቶም ዝተተንከፉ ንሰርሕ። ናትና ምኽሪ ምስ ጥርዓን ምእታው ወይ ምስ ገበናዊ በደል ክተኣሳሰር ኣይክእልን እዩ።
  • ተዓጻጻፊ። ናትና ኣማኸርቲ ክበጽሑኹምን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ክመጽኹምን ሕጉሳት እዮም።
  • ብዙሕ ቋንቋታት። ብመገዲ ተርጎምቲ ካብ ዕንቅፋት ናጻ ዝኾነ ርክብ ንጥንቀቕ ኢና።
  • ናጻ ግላዊ ዝኾነ። ንሕና ካብ ሰብ መዚን ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ ስተይት ትካላትን ናጻ ኮይንና ንሰርሕ።
  • ናጻ ብዘይ ክፍሊት።

ቆጸራ ሓዙ

ንስኹም ድሕሪ ናይ ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ፡ ከም ግዳይ፡ ዘመድ፡ ዓርከ-መሓዛ ወይ ምስክር ሓገዝ ደሊኹም ንሕና ኣለናልኩም። እንተደሊኩም ድማ ብግሊ፡ ብቴለፎን፡ ብኢመይልን ስም ብምዕቃብን ክንመክር ንኽእል ኢና።

ምስ ካልኦት ኣማኸርቲና ርክብ ግበሩ*፡

መምርሒ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ እንታይ ይግበር?

ነብስኹም ኣድሕኑ
ድሕነትኩም ቀዳማይ ቦታ ይሕዝ! ካብ’ቲ ኩነታት ክትሃድሙ ፈትኑን ምክልኻል ድማ ርኸቡን።

ሓገዝ ሕተቱ
ካብ ካልኦት ሓገዝ ሕተቱ ከምኡ ድማ ናይ’ቲ ፍጻሜ መሰኻክር ኣዘራርቡ።

ነቲ ፍጻሜ ሰንድዎ
መጉዳእትኹም፡ ቦታ ፍጻመ ገበንን ኩሎም ኣብ’ቲ ከባቢ ዘለው ነገራትን (ንኣብነት፡ ኣእማን፡ ዝተሰብረ ቤትሮ፡ ጠራሙስ፡ ተለጠፍትን ክዳውንትን) ስኣሉ። ኩሉ ነገር ክትሓዝ የብሉን ከምኡ ድማ ኣብ ቦታ ገበን ዘሎ ኩሉ ነገር ኣይትቐይርዎ!

ናብ ሓኪም ኪዱ
ተመርመሩን ነቲ ሓኪም ድማ ነቲ መጉዳእትታት ክስንዶ ሕተትዎ። ኣብ ኢመርጀንሲ፡ ብዘይ ናይ ኢንሹራንስ ካርድ ምሕካም ይክኣል እዩ።

በይንኹም ኣይትኹኑn
ንስድራኹምን የዕርኽኩምን ንዓኹም ዘጓነፈኩም ንገርዎም። እቲ ጌጋ ናትኩም ኣይኮነን፡ ስለዚ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር የብልኩምን። ምስ ስሚዒታትኩም በይንኹም ኣይትኹኑ ከምኡ ድማ ሓገዝ ርኸቡ ኢኹም።

ናይ መዘኻኸሪ ዝርዝር ጽሓፉ

    • ናይ’ቲ ፍጻሜ ዝኽርታት ጽሓፍዎም፡
    • መዓስን ኣበይን ኣጋጢሙ?
    • ብልክዕ እንታይ ኣጋጢሙ? ድሕሪኡ’ኸ እንታይ ኣጋጢሙ?
    • ክንደይ ሰባት እዮም ተሳቲፎም? እንታይ ይመስሉ ኔሮም?
    • እንታይ ዓይነት ጉድኣታትን ዕንወትን ኔሩ?
    • ኣየኖት መሰኻክር ኔሮም ኣብኡ ከምኡ ድማ እንታይ ርእዮም?

ንፖሊስ ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም
ናብ ፖሊስ ንምድዋል ናትኩም ምርጫ እዩ። ቀጥታ ናብ ፖሊስ ክትድውሉ ትኽእሉን ከምኡ ድማ ነቲ ቦታ ፍጻሜ ገበን ክበጽሕዎ ክትሓትዎም ትኽእሉ ወይ ድማ ናብ ፖሊስ ድሓር ክትከዱን ነቲ ፍጻሜ ክትሕብሩን ትኽእሉ። ናብ ፖሊስ በይንኹም ኣይትኺዱ። ብ ስድራቤትን ኣዕሩኽን ወይ ሰራሕተናታት ናይ ቦታኹም ማእከላት ምኽሪ ክትስነዩ ትኽእሉ ኢኹም። ቃል ክትህቡ እንተድኣ ደሊኹም፡ ናይ ተርጓማይ መሰል ኣለኩም። ምስ ፖሊስ ምርኻብ ኣብ ናይ ጀርመን ጻንሒትኩም ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ የብሉን።

ደገፍ ርኸቡ
ነቶም ዝተተንከፉ ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣብኡ ኣለኩም! እንተድኣ ናይ ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ ኣጓኒፍኩም ክንሕግዘኩም ኢና። ብተወሳኪ ን ቤተሰብን መሰካክርን ንሕግዝ ኢና። ግላዊ ወይ ስም ምዕቃብ ዘለዎ ምኽሪ ምምራጽ ባዕልኹም ትውስኑ። እቲ ምኽሪ ኣበይ ከምዝካየድ’ውን ባዕልኹም ትመርጹ። ትና ቀረብ ሚስጥራዊ፡ ናጻን ብዘይ ክፍሊትን እዩ። ብዘይ ቅቡል ናይ ኢመግረሽን ወረቓቕቲ’ውን ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ ናትና ናይ ምኽሪ ኣገልግሎታት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።