ኣብ ምኽሪ ከመይ ጌርና ንድግፈኩም ኣብ’ዚ ኣሎ ገለ ኣብነታት፡
- ናይ ዘጋጠመኩም ምዒት ኣብ ምምስራሕ ንሕግዘኩምን ከምኡ ድማ እንተደሊኹም ድማ ኣብ ምድላው ፍወሳ ድማ ንሕግዘኩም።
- ብዛዕባ ሕጋዊ ኣማራጺታት ከም ጥርዓን፡ ሕጋዊ ስጉምቲ፡ ምክልኻል ናይ ግዳይ ወዘተ ክንህብረኩም ኢና።
- ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ናብ ፖሊስ፡ ሕጋዊ ምኽሪ፡ ናብ ሰብ መዝን ሕክምናዊ ክንክንን ከነሰንየኩም ኢና
- ኣብ ጉዳይ ቆጸራ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ምድላው ናይ’ቲ መስርሕን ኣብ ምስማዕ’ቲ ጉዳይን ንሕግዘኩም ኢና
- ተኽእሎታት ምኽፋል ገንዘብን ካሕሳን ነርእየኩም ከምኡ ድማ ኣብ መመልከቲ ድማ ንሕግዘኩም
- ንምምሕያሽ ኩነታት ናብራኹም ብሓባር ናይ ነዊሕ እዋን ስጉምትታት ነማዕብል።
- ምስ ካልኦት ዝተተንከፉ ሰባት ድማ ሓሳባት ንምልውዋጥ ዕድላት ንፈጥር።
- ብድሌትኩም፡ ጸገማት ናይ ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ ናይ ህዝቢ ኣቓልቦ ክንስሕብ ኢና
ኩሎም ምኽርታት ብመሰረት ውልቃዊ ጠለባት እዮም ዝካየዱ። ናትና ጉጅለ ምሳኹም ድሕሪ ምምኽኻር እያ ትሰርሕ።
ቀረብና ወለንታዊ፡ ሚስጥራዊን ናጻ ካብ ክፍሊትን እዩ።
ናትና ስራሕ ድማ…
- ሚስጥራውነት። ኩሎም ዝርርባት ብጥብቂ ሚስጥራውያን እዮም። ንሕና ውን ከምኡ ብጠለብ ስም ብምዕቃብ ክንመክር ንኽእል ኢና።
- ዘይቢሮክራሲያው (ወግዓዊ መስርሕ ዘይብሉ) ። ንሕና ንዝኾነ ሰብ ብዘየገድስ ናይ ነባርነት ደረጅኡ ንመክር ኢና።
- ምስ ዝተተንከፉ ሰባት ጸግዒ ምሓዝ። ኣብ ጸግዒ እቶም ዝተተንከፉ ደው ንብልን ከምኡ ድማ ንረብሐኦም ንሕግዝ።
- ኣብ ጠለብ ዘድሃበ። ዘድሃበ። ንሕና ከከም ድሌታትን ጠለባትን ናይቶም ዝተተንከፉ ንሰርሕ። ናትና ምኽሪ ምስ ጥርዓን ምእታው ወይ ምስ ገበናዊ በደል ክተኣሳሰር ኣይክእልን እዩ።
- ተዓጻጻፊ። ናትና ኣማኸርቲ ክበጽሑኹምን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ክመጽኹምን ሕጉሳት እዮም።
- ብዙሕ ቋንቋታት። ብመገዲ ተርጎምቲ ካብ ዕንቅፋት ናጻ ዝኾነ ርክብ ንጥንቀቕ ኢና።
- ናጻ ግላዊ ዝኾነ። ንሕና ካብ ሰብ መዚን ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ ስተይት ትካላትን ናጻ ኮይንና ንሰርሕ።
- ናጻ ብዘይ ክፍሊት።