ብዛዕባና

ጉጅለ

ከም ተጸዋዒ ነቑጣ ናይቶም ብናይ ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ ኣብ Niedersachsen ዝተተንከፉ ሰባት፡ ንሕና ንኩሎም ሰባት ከም ግዳያት፡ ኣዝማድ፡ ወይ መሰኻክር ናይ ከም’ዚ ዓይነት ጽልኢ ንድግፍ ኢና። ገለ-ገለ ሰባት ኣብ ገለ ነጥቢ ናይ መዓልታዊ ሂወቶም ምስ ጽልኢ ይጓነፉ እዮም። ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ ኣዝዩ ዝተፈላለየ መርኣያታት ክህልዎ ይኽእል እዩ፡ ካብ ምዕናው ንብረት ብ ጭርሖታትን ኣርማታት ናይ ናዚ ኣብ መናድቕ ናይ ገዛ፡ ናይ ቃል ምውራድ፡ ጸርፍታት፡ ናይ ጥፍጣፍ መጥቃዕትታትን ክሳብ ኣካላዊ መጥቃዕትታት ዋላ’ውን (ዝተፈተነ) መቕተልቲ። ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ መጥቃዕትታትን ምውራድን ዝኾነ ኣቐዲሙ ዝተሓስበ መልክዕ የብሎምን። ብተወሳኺ፡ እቲ ጎነጽ ዝብል ኣምር ንኣካላዊ ተግባራት ጥራይ ኣየመልክትን። ናይ ቃልን ናይ ኣእምሮን መጥቃዕትታት ድማ መጥቃዕትታት ኮይኖም በዚ ከኣ ንሕና ድማ ነቶም ዝተተንከፉ፡ ኣዝማድን መሰኻክርን ንድግፍ። ምስቶም ዘጋጠሙ ድማ ንምኽኣሎም ንሕና ንሕግዝ፡ ንተወሰኽቲ ስጉምትታት ከኣ ነሰንዮምን ከምኡ ድማ ንናይ መጻኢ ስልትታት ናይ ስጉምቲ ድማ ምኽሪ ንህብ።

እንታይ ክኸውን ኔርዎ ሕግታት የለዉን ስለዚ ከኣ ንሕና እቶም ዝተተንከፉ ድማ ናባና ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። ምኽንያቱ እዚ ናትና ጉጅለ ብተወሳኺ ኣብ ሕለፉ ዘለው ኩነታት ንምስራሕን ንምክፍፋሎምን ሓገዛት ትገብር ኢያ።

እቲ ናይ Niedersachsen ምኽሪ ናይ’ቶም ዝተተንከፉ ድማ ኣብ ሰለስተ ዞባዊ ቤት ጽሕፈታት ናይ ዘዝምልከተን ዞባታት ናይ ሰሜናዊ-ምዕራብ፡ ሰሜናዊ-ምብራቕን ደቡብ Niedersachsen ይከፋፈልን፡ እዚኦም ከኣ ብሓባር ኣብ ሙሉእ ዞባ Niedersachsen ምኽርታትን ደገፋትን ይህቡ። ናትና ጉጅለ ተንቀሳቓሲት እያ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሳይት (ቦታ ስራሕ) ምኽሪ ዝደልዩ ክትበጽሖም ትኽእል እያ። ኩሎም ኮንሳልታንስ (ኣማኸርቲ) ድማ መታን ዝበለጸ ዝክኣል ህላውነቶም ከረጋግጹ ንሓድሕዶም ኣብ ቀረባ እዮም።

ኣድራሻ

ብኸመይ ተርኽቡና፡

ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ Niedersachsen


Exil e.V
ቴለፎን: 0541 38069923
ሞባይል: 0157 37967272
nordwest@­betroffenenberatung.de

 

ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ Niedersachsen


CJD Nienburg
ቴለፎን: 05021 971111
betroffenenberatung.nds.nordost@cjd.de

 

ዞባ ደቡብ Niedersachsen


Asyl e.V
ሞባይል: 0179 1255333 / 0159 06390203 / 0159 06849290
sued-nds@­betroffenenberatung.de

ርእሰ-ግንዛበ

ኣብ ናትና ጉጅለ፡ ናይቶም ምኽሪ ዝደልዩ ጠለብ ወትሩ ቀዳማይ ቦታ ይሕዝ። ንሕና ኣብ ጎኒ እቶም ዝተተንከፉ፡ ቤተሰብን መሰኻክርን ኢና፡ ንረብሐኦም ድማ ደው ንብል። ናትና ምኽርን ስራሕን ድማ ኣብ (ብቑዕ ደረጃታት ናይ ማሕበር ናይ ምኽሪ ማእከል ግዳያት ናይ ዓቃባዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ጸረ ሴማዊ ጎነጽ (VBRG) ዝተሰረተ እዩ።

ስለዚ ከኣ፡ እቶም ምኽሪ ዝደልዩ ብ ተለፎን፡ ብኢመይልን ከምኡ ድማ ኣድላዪ እንተኾይኑ ስም ብምዕቃብ ብግሊ ክረኽቡና ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ ምኽሪ ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ውን ይክኣል እዩ። ንሕና ካብ መንግስታዊ ትካላትን ናይ ፖሎቲካ ፓርቶታትን ናጻ ኮይንና ንሰርሕ ኢና። ኩሎም ዞባውያን ቤት ጽሕፈታት ድማ ካብ በዓል መዝታትን መንግስታዊ ወኪላትን ብቦታን ቅርጽን ዝተፈልዩ እዮም።